ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርስታት ኣመሪካ ይቕጽል፡ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ብኣካል ዝወሃብ ትምህርቲ ይስርዝ


ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ሎስ-ኣንጀለስ ናይ ካሊፎርኒያ በቲ ዩኒቨርስቲ ድሕሪ ምኽልካሉ፡ ሎሚ ሓሙስ ፖሊስ ንሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርስቲ ምውዓሎም ተሓቢሩ።

ሓይሊ ፖሊስ ብቐንዱ ናብቲ ቦታ ዝመጽአ፡ ንእስራኤል ዝድግፉ ተሰለፍቲ ናብቶም ኣድመኛታት እምኒን ካልእ ነገራትን ድሕሪ ምድርባዮምን ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ምትፍናን ድሕሪ ምዕባዩን’ዩ።

ዩኒቨርስታት ምስ እስራኤል ዘለወን ርክብ ክበትካ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ሓያሎ ዩኒቨርስታት ኣመሪካን ዓለም ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ሕጂ እዋን፡ ኣብታ ጀማሪት ናይቲ ተቓውሞ ዝዀነት ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ፡ ምምሕዳር እታ ዩኒቨርስቲ ሓድሽ መምርሒ ሂቡ ኣሎ። ፖሊስ ንምብታን ቴንዳታት ተቓውሞን ዝገብሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ምቕናዕ ምስ ኣበዮ፡ እዚ ንምዝዛም ዝቀራረብ ዘሎ ሰሚስተር፡ ኵሉ ትምህርቲ ብርሕቀት ክኸውን ወሲኑ ኣሎ። ብሰሉስ ድማ ፖሊስ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ 300 ተመሃሮ ኣሲሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG