ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣፈጉባኤ ጆንሶን ክቕጽል እንተዀይኑ ዝመጽእ ሰሙን ድምጺ ክህብ’ዩ


ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሶን - ፋይል
ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሶን - ፋይል

ሓገግቲ ኣካላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሶን ስራሑ ክቕጽል እንተዀይኑ ዝመጽእ ሰሙን ድምጺ ክህቡ’ዮም።ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣፈጉባኤ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ጆንሰን ካብ ገዛእ ሰልፉ ሪፓብሊካውያን’ዩ ተቓውሞ ዝጎንፎ ዘሎ።

ኣመና ዓቃባዊት ዝዀነ ማርጆሪ ተይለር ግሪን’ያ፡ “ንመብጽዓ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሰቢሩ” ብምባል ትማሊ ረቡዕ ካብ መዝነቱ ክወርድ ትሓትት ዘላ።

እንተዀነ ሓያሎ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካውያን ንኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሶን ክጸንሕ ከም ዝመርጹ ይሕብሩ። ስክፍታኦም ዳግም ምውራድ ኣፈጉባኤ ኣብቲ ሰልፊ ዝኸፍአ ሕንፍሽፍሽ ከይፈጥር ዝብል ስግኣት’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG