ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ኣገደስቲ ሕድገታት ምግባራን ውሳነ ሓማስ ምትራፉ ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ሓቢሮም


ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀ/ሚ ቤንጃሚን ነታንያሁ ትማሊ ረቡዕ 1 ግንቦት 2024 ዝተራኸበሉ
ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀ/ሚ ቤንጃሚን ነታንያሁ ትማሊ ረቡዕ 1 ግንቦት 2024 ዝተራኸበሉ

እስራኤል ምስ ሓማስ ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ ንምክያድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ “ኣዝዩ ኣድላይ ሕድገታት” ጌራ’ላ "ሕጂ ግደ ሓማስ’ዩ ተሪፉ ዘሎ" ክብሉ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከ ሓቢሮም።

ብሊንከን ነዚ ዝገለፁ ትማሊ ረቡዕ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሓዊሱ ምስ መራሕቲ እስራኤል ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ። ብሊንከን ድሕሪ ኵናት ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ምውልዑ ንሻውዓይ ጊዜ ናብቲ ዞባ ምብጻሕ የካይዱ ምህላው ይፍለጥ።

ብሊንከን ናብ ሃገሮም ቕድሚ ምብጋሶም፡ እስራኤል “ኣዝዩ ኣድላይ ሕድገታት” ጌራ’ላ ዝበሉ ኮይኖም ሓማስ ነዚ ነቲ ይሓልየሉ’የ ዝብሎ ኣብ ቓዛ ንዘለው ሰባት ኩነታት ዘመሓይሽን ውዕል ዝቅበሎን ዘይቅበሎም ምዃኑ ክውስን ኣለዎ ኢሎም።

ግብፃውያን ሸምገልቲ እቲ ልዝብ ንቅድሚት ንኽስጉም ዝለዓለ ግደ ከምዝነበሮም'ውን ተገሊፁ’ሎ።

ብሊንከን እቲ ምስ ቀ/ሚ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዘካየድዎ ዘተ ኣብ ህፁፅ ምቁራፅ ተፃብኦን ምልቃቕ ጅሆ ዝተታሕዙን ዝምልከት ምንባሩ ገሊፆም’ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG