ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ናብ ዝረሓቐ ሸነኽ ወርሒ መንኮርኮር ክትውንጭፍ'ያ


▶ቻይና ናብ ዝረሓቐ ሸነኽ ወርሒ መንኮርኮር ክትውንጭፍ'ያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:14 0:00

▶ቻይና ናብ ዝረሓቐ ሸነኽ ወርሒ መንኮርኮር ክትውንጭፍ'ያ

ቻይና ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብቲ ዝርሓቐ ዝብሃል ደቡባዊ ሸነኽ ወርሒ፡ መንኮርኮር ክተወንጭፍ`ያ። ቻይና ንፈለማ እዋን ኣብ 2017 መንኮርኮር ካብ ተወንጭፍ ንድሓር፡ ነቲ ምስ ኣመሪካን ሩስያን ዝጸንሓ ናይ ቴክኖሎጂ ክፍተት ከተጽብቦ ጸኒሓ`ላ።

እዛ ሕጂ ቻይና ትልእካ ዘላ መንኮርኮር ኣብ ወርሒ በጺሓ ክትምለስ`ዩ ተልኮኣ።

ቻይና ኣብ 2020 ብዝካየደቶ ፈተነ፡ ሰብ፡-ዘይብላ መንኮርኮራ ወርሒ በጺሓ ብሰላም ክትምለስ ከምትኽእል ኣረጋጊጻ'ያ።

ኣብዚ ሰሙን`ዚ ትውንጨፍ ቻንጊ-6 ትብሃል መንኮርኮር ቻይና እምበኣር፡ ናብቲ ካብ መሬት ዝርሓቐ ደቡባዊ ክፋል ወርሒ ብምብጻሕ ንምርምር ዝኸውን እምንን ሓመድን ሒዛ ክትምለስ`ዩ ተልኮኣ።

እዛ ምስ መሬት ቀጥታዊ መስመር ዘይህልዋ መንኮርኮር ኣብ ህዋ ን53 መዓልታት ኣብ ትጸንሓሉ እዋን፡ ተልእኮኣ ንክትፍጽም፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ዝዘውር ዘሎ ሳታላይታት ክትውከል'ያ። ካብ ወርሒ ናብ መሬት ክትምለስ ከላ ድማ በቲ “ሕቡእ” ዝብሃል ሸነኽ ወርሒ እያ ክትሓልፍ። ቻይና ዝመጽእ ዓመተ-2026 ከምኡ`ውን 2028 ተመሳሳሊ ተልኮታት ቻንጊ-7ን ቻንጊ-8ን ኣብ ትውንጭፈሉ እዋን`ውን ነቶም ኣቐዲሞም ኣብኡ ዝጸንሑ ሳታላይታት እያ ክትጥቀም። ዕላምኣ ድማ ኣብቲ ደቡባዊ ጫፍ ዝብሃል ክፋል ናይ ወርሒ፡ ማይ ኣሎ እንተኾይኑ ንምርኣይን፡ ምስ ሩስያ ሓደ መደበር ጠፈር ንምምስራትን`ዩ። ዕላማ ቻይና ክሳብ 2030 ኣብ ወርሒ ሰብንምስፋር'ዩ።

በይጂንግ ናብቲ ማይ ኣለዎ ዝብሃል ደቡባዊ ሸነኽ ወርሒ ትገብሮ ዘላ ህንጡይነት ንኣመሪካ ኣሻቒልዋ`ሎ። ኣመሓዳሪ ማእከል ምርምር ጠፈር(ናሳ) ቢል ነልሰን፡ ቻይና ኣብ ወርሒ ዝረኸበቶ ማይ ብዋንነት ክትሕዞ ትኽእል`ያ ክብል ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቑ`ዩ። በይጂንግ ግን ናይ ሓባር መጻኢ ኣብ ምህናጽ ምስ ኩለን ሃገራት ክተሓባበር ቅርብቲ`የ ትብል።

ቻንጊ-6 ብፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ስዊድንን ፓኪስታንን ዝተመወለ ዝተፈላለዩ ጽዕነታት ሒዛ እያ ክትከይድ። ዓይነት ናይቲ ተኸፊልሉ ዝጸዓን ንብረት ግን ኣይትገልጸን። ዝበዝሕ ግዜ ግን ካመራታትን ካልእ ዳታ ንምእካብ ዘገልግል ቴክኖሎጅን`ዩ ምስ መንኮርኮር ተሓንጊሩ ዝኸይድ። ዝመጽእ ዓመተ 2026 ኣብ ትውንጨፍ ቻንጊ-7 ድማ ቻይና ናይ ሩስያ፡ ስዊዘርላንድን ታይላንድን ንብረት ክትጽዕን መደብ ኣለዋ።

`ናሳ` ምስ ቻይና ዝኾነ ምትሕብባር ከይገብር ብሕጊ ኣመሪካ ክልኩል`ዩ። ብናሳ ዝምራሕ `ኣርተሚስ` ዝብሃል ፕሮግራም ግን ኣብ 2026 ኣብ ደቡባዊ ወርሒ ኣስትሮናት ከስፍር መደብ ኣለዎ።

“ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ኣብ ዳህሳስ ወርሒ ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ" ዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖተር ዳም ፕሮፈሰር ፕላነትን ስነ-ምድሪን ክሊቭ ኒል፡ "ቻይናን ኣመሪካን ግን ኣብዚ እዋን`ዚ ኣይተሓባበራን`የን ዘለዋ፡ ክትሓባበራ ተስፋ እገብር” ይብል።

እቲ ደቡባዊ ክፋል ንዳህሳስ ወርሒ ወርቃዊ ቕናት ተባሂሉ ይግለጽ። ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ዓሙቕ ወይ ሃጓፍ ቦታ፡ ማይ ከምኡ `ውን በረድ ኣለዎ ተባሂሉ`ውን ይእመን። ኣብቲ ከባቢ በረድ ምህላዉ ድማ፡ ቀጻሊ መጽናዕቲ ንምክያድ ከም ዝጥዕምን ካብ መሬት ዝግዓዓዝ ክቡር መሳርሕታት ከድሕን ከም ዝኽእልን ይግመት። ህንዲ ብወገና ኣብ 2008 ብዝወንጨፈታ ቻንድራያን ዝተጸውዐት መንኮርኮራ ኣብ ውሽጢ`ቲ ዓሙቕ ከባብታት ደቡብ ወርሒ፡ በረድ ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ`ያ።

ሕጂ ቻይና ትልእካ ዘላ ቻንጊ-6 ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ፈላማይ እዋን ዝነበረ ኣፈጣጥራ ወይ ኣመዓባብላ ወርሒን፡ ውሽጣዊ ስርዓት ኣካላታን ሓዲሽ ሓበሬታ ክተምጽእ ትጽቢት ዝግበረላ`ያ።

ኣብቲ ርሑቕ ጫፋት ወርሒ፡ ምንቅስቓስ ናይ ቮልካኖ ዘይምንባሩ፡ ብፈሳሲ ላቫ ማለት ዝመኸኸ ከውሒ ዘይተሸፈነ ሃጓፋት ክፍጠር ከም ዝገበረን፡ እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብ እዋን ምፍጣር ወርሒ ዝነበረ ነገራት ክዕቀብ ከም ዝሓገዘን ይግለጽ።

ክሳብ ሎሚ ብኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ኣብ 1970`ታት ከምኡ ድማ ብቻይና ኣብ 2020 ዝተኻየዱ ዳህሳሳትን ዝተወስዱ መርኣያታትን ካብቲ ንመሬት ዝቐረበ ናይ ወርሒ ሸነኽ`ዩ ኔሩ። ንሱ ድማ ንጡፍ ቮልካኖ ዝነበረሉ ከባቢ ምዃኑ`ዩ ይግለጽ።

እዛ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ደቡባዊ ጫፍ ወርሒ ትጉዓዝ ቻንጊ -6 ዝተባህለት መንኮርኮር እምበኣር፡ ኣብ ወርሒ ብዓወት እንተዓሊባ፡ ብመካኒካዊ መኹዓትን መግሓጥን ተጠቒማ 2 ኪሎ ግራም ዝምዘን መርኣያ ዝኸውን ነገራት ኣኪባ ክትምለስ ኣካል ተልእኮኣ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG