ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዕጡቓት ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ 5-ሽሕ ሰባት ምዝንባሎም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ድባጤ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕጡቓት ተፈፂሙ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተለን 5- ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉን ጉድኣት ወሪዱና ዝበሉ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ቆርቄ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ዱር ዝነበሩና ናይ መንግስቲ ናይ ሰላም ፃውዒት ተቐቢሎም ምስቲ ማሕበረሰብ ዝተሓዋወሱ ዝተባሃሉ ዕጡቓት ተፈፂሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ኣስታት 30 ኣባይቲ ምዝተቓፀሉ ግዳያት ተዛሪቦም።

ብመንግስቲ ንዝቐረበ ፃውዒት ተቐቢሎም ምስ ማሕበረሰብ ናይ ዝተፀነበሩ ናይ ቀደም ናይ ጉምዝ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበርን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ግሙዝ ይህነፅ ናይ ዘሎ ግድብ ህዳሴ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣቶ ግራኝ ጉዴታ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝተላዕለ ክሲ: እቶም ዕጡቓት ኢድ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም ። ካብ ሰበስልጣን ክልልን ዞባን መልሲ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG